Testimonials
This interpreter clearly knows what he is doing, and he does it well.
Quite polite, friendly to both myself and claimant, explaining things to her, and clarifying things with myself.
“All excellent!”
Prompt for appointment
Tesfom was excellent in the way he interpreted for us today. He was very calm which helped the patient feel at ease. Thank you”
Interpreter was very friendly
Tesfom performed his role very well clearly putting forward the patient’s views, wishes and opinions. Thank you!
He was very patient and demonstrated great professionalism
Very helpful and excellent service.
ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ማሕበር ኤፍ ኤል ኤስ (FLS Ltd) ነቲ ናይ ወደይ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መንበሪ ሰነድ፡ ብዝነኣድ ኣገባብን ውሕልነት ብዝመልኦ ኣሰራርሓን፡ ናብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ብምትርጓም፡ ነቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበረኒ ናይ ስድራቤት ናይ ምትእኽኻብ ናይ መእተዊ ቪዛ ናይ ይግባይ፡ ዕውት ንኽኸውን ካብ ዘቕረብክዎም ሰነዳት፡ ብግቡእ ብምትርጓም ኣድላይ ማሕተምን ቤት ፍርዲ ዝጠልቦ ብጽሑፍ ዝተሰነየ ምስክርነት ሰነድ ቃል-ማሕላን ብዘይ ተወሳኺ ክፍሊት ብርትዓዊ ዝኾነ ዋጋ ብሉጽ ኣገልግሎት ብምሃብ ካብ ዝሓገዙንን ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑን ሓደ ብሉጽ ስራሕ ምንባሩን ምስክርነተይ ክህብ ደስ ይብለኒ።
ኣነ ኣቶ ገብሩ ዑቕባጽዮን ዝተባሃልኩ ነባርነተይ ኣብ ከተማ ሳልፎርድ ናይ ዓባይ ማንቸስተር ዝኾነ፡ ወዲ ሓትነይ ዝብጽሓኒ ኣብ ከተማ ቡካሬስት ናይ ሃገረ ሮማንያ ዝነብር ዝነበረ፡ ብሓደጋ መኪና ካብዛ ዓለም ምስተፈልየ፡ ነቲ ካብ ወለዱ ዝተላእከለይ ብቋንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፈ፣ ከም ውክልና ስልጣን፡ ናይ መንነት ወረቐት፡. . .ወዘተ፡ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ብዝነኣድ ብቕዓትን ሕጋውነቱ ብዝሓለወ መንገድን ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ብምትርጓም፡ ነቲ ኣብ ሃገር ሮማንያ ዝነበረኒ ናይ ቤት ፍርዲ መጎተ ዕዉት ንክኸውን ካብ ዘኽኣሉኒ ስርሓት ምንባሩን ብምርግጋጽ፡ ነዚ ስራሕ ንዝሰራሕኩም ኣካያዲ ስራሕ ኤፍ.ኤል.ኤስ ዳይረክቶር ኣቶ ተስፎም ገብረሂወት ልዑል ምስጋናይ አቕርብ።
ዝኸበርኩም ኣካያዲ ስራሕ ኤፍ.ኤል.ኤስ. ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወሃቢ ኣገልግሎት ምትርጓም ቋንቋታት፡
ከምዝፍለጥ ነታ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብኣካል ዝተፈለኹዋ፡ ካብ ኣብራኸይ ዝተወልደት ትሕቲ ዕድመ ጓለይ፡ ናብዚ ኣነ ዝነብረሉ ሃገር፡ ብሕጊ ምጥርናፍ ስድራቤታት ዝእዝዞ መሰረት፡ ንኸምጽኣ ናብቲ ናይ ኢሚግሬሽን መጋባእያ ዘቕረብክዎ ናይ ይግበኣኒ እዩ መረረ ንኽሕግዘኒ፡ ንኹሉቲ ብቋንቛ ትግርኛ ዝነበረኒ ሰነዳት ብምዕሩግን ሕጋውነቱ ብዝሓለወ ኣገባብን፡ ትካልኩም ንዝሃበኒ – ምስቲ ዝኸፈልክዎ ገንዘብ ዘይመጣጠን፡ ምዕሩግ ኣገልግሎት ምስጋናይ ብትሕትና ከቕርብ ከለኹ ደስታ ይስመዓኒ። እነሆ ከኣ መረረይ ተሰሚዑን ተዓዊተን ጓለይ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሑቕፈይ ክትኣቱ ኣጽበያ ኣለኹ። ብሓቂ ግሩም ዕዮ – ክብረት ይሃበለይ !